> Dehai Wongel. *Bible Soft*
 Jesus is Lord
ምድላው ናይ ትግርኛ ዲጂታል መጽሓፍ ቅዱስ
Help Eritrean Christian Families who have  their beloved family members in Eritrean prisons and jails for their faith in Christ.

Put your time in the making of Tigrinya Bible Soft.

TIGRINYA BIBLE SOFT DRIVE

For I am not ashamed of the gospel of Christ: for it is the power of God unto salvation to every one that believeth; to the Jew first, and also to the Greek. Romans 1:16

mezmur

news

elama

feed back

opinion

ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ

 

18 እምበኣር ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፡ ንምልክት ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ክታብ ይኹን።19 ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻ ናብ በጥ ምባልካን፡ ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ እናተዛረብኩም፡ ንደቅኹም ምሃርዎም። 20 ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ከኣ ጽሓፎ። ዘዳግም 1118-20

 

መጽሓፍ ቅዱስ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተሓቲሙን ይሕተምን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ብደረጃ ማሕበረ መጽሓፍ ቅዱስ ብሚስዮናውያን ብ1965 ናብ ትግርኛ ተተርጉሙን ተሓቲሙን። ከምኡ ውን ናይ ሓድሽ ኪዳን ብሓድሽ ትርጉምን ሓድሽ ትርጉም ዝሓዘ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ተሓቲሙ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን ተባሂሉ ከኣ ኣብ ክልተ ክፍሊ ይኽፈል። ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ቤተክርስትያናት ዝተፈለለየ ኣቆጻጽራ መገዲ ኣለወን ኦርቶዶክስ ቤ.ክ. 81 መጻሕፍቲ ትቈጽር ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን 73 መጻሕፍቲ ትቈጽር፡ ወንጌላዋያን ከኣ 66 ይቖጽሩ።

 

ደሃይ ወንጌል ከኣ ካብዚ ተበጊሳ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግርኛ ብዝተፈላለየ መገዲ (ንኣብነት CD, Internet) ምዝርጋሕን ነገልገልቲ ናይቲ ህያው ኣምላኽ ብትግርኛ ንክጽሕፍዎ ዝደልዩ ጽሑፋት ብቐሊሉ ምድላውን ብዝብል ሓሳብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግርኛ ዲጂታል (digital) ንምጽሓፍ ትዳሎ ኣላ።

 

ስለምንታይ ግን ደሃይ ወንጌል?

 

ኣብዚ እዋን ብትግርኛ ዲጂታል (digital) እተጻሕፈ ጽሑፍ ብወገንና ክንረክብ ኣይከኣልናን። ኣብ ብዙሕ ደሊናን ንብዙሓት ሓቲትና ኣብ ኢንተርነት ውን ክንረክብ ስለዘይከኣልና ናብዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግርኛ ዲጂታል (digital) ምጽሓፍ ክንወድቕ መሪጽና። እዚ ማለት ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ብኮምፕዩተር ንኽጽሓፍ ብዝብል ሓሳብ ተበጊስና ኣለና። ደሃይ ወንጌል ኣብዚ ፍሉይ ዕዮ ንዝኾነ ብማሐበር መጽሓፍ ቅዱስ ዝድለ ጠለባት ከተዳሉ ድልውቲ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ክትሕብር ትፈቱ።   

 

ዕዮ ምክፋል

 

ደሃይ ወንጌል ኣብዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግርኛ ዲጂታል (digitalize) መስርሕ ፍሉይ ዝተመደበ ባጀት ስለዘይብላ ፡ ንኩሉኹም ሕዝበ ክርስትያን፡ ኣብዚ ቅዱስ ዕዮ ተወፊኹም ክትሳተፉ እትደልዩ ካብዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እተን ትኽእልወን ከተወፍዩ በቲ ኣብ መስቀል እተሰቕለ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ንዕድመኩም። ኣዝዩ ሰፊሕ ዕዮ ስለዝኾነ ግዜ ናይ ብዙሓት ሰባት ክሓትት እዩ። ስለዚ ኩሉ እቲ ኣብ ኮምፕዩተር ምሉእ መጽሓፍ ክጽሕፍ ዝኽእል ከምኡውን እቲ ሓንቲ ምዕራፍ ክጽሕፍ ዝኽእል ናይ ዕዮ ምድንጋራት ምእንቲ ከይፍጠር እተን ክትጽሕፍወን እትኽእሉ ቅድሚ ምጅማርኩም ብኢመይል ኣብ ክትሕብሩና ንሓተኩም።

 

 

መጽሓፍ ቅዱስ

 

 

ብሉይ ኪዳን

ኦሪት ዘፍጥረት 

2 መጽሓፍ ዜና መዋእል

ትንቢት ዳንኤል

ኦሪት ዘጻኦት

መጽሓፍ እዝራ

ትንቢት ሆሴእ

ኦሪት ዘሌዋውያን

መጽሓፍ ነህምያ

ትንቢት ዮኤል

ኦሪት ዘሁልቁ

መጽሓፍ ኣስቴር

ትንቢት ኣሞጽ

ኦሪት ዘዳግም

መጽሓፍ እዮብ

ትንቢት ኦብድያ

መጽሓፍ እያሱ

መዝሙር ዳዊት

ትንቢት ዮናስ

መጽሓፍ መሳፍንቲ

መጽሓፍ ምሳሌ

ትንቢት ሚክያስ

መጽሓፍ ሩት

መጽሓፍ መክብብ

ትንቢት ናሆም

1 መጽሓፍ ሳሙኤል

መጽሓፍ መሃልየ መሃልይ

ትንቢት ኣንባቆም

2 መጽሓፍ ሳሙኤል

ትንቢት ኢሳይያስ

ትንቢት ጸፎንያስ

1 መጽሓፍ ነገስት

ትንቢት ኤርምያስ

ትንቢት ሃጌ

2 መጽሓፍ ነገስት

ድጉዓ ኤርምያስ

ትንቢት ዘካርያስ

1 መጽሓፍ ዜና መዋእል

ትንቢት ህዝቅኤል

ትንቢት ሚልክያስ

 

ሓድሽ ኪዳን

"ወንጌል ማቴዎስ"

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢመቴዎስ
ወንጌል ማርቆስ

2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢመቴዎስ

ወንጌል ሉቃስ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ቲቶስ
ወንጌል ዮሃንስ

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ፊልሞን

ግብሪ ሃዋርያት መልእኽቲ ናብ እብራውያን
መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ

መልእኽቲ ያእቆብ

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆረንቶስ 1 መልእኽቲ ጴጥሮስ
2መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ  ቆረንቶስ

2 መልእኽቲ ጴጥሮስ

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ

1መልእኽቲ ዮሃንስ

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን

2 መልእኽቲ ዮሃንስ

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊልጲ

3መልእኽቲ ዮሃንስ

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሎሴ

መልእኽቲ ይሁዳ

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ

ራእይ ዮሃንስ

2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ